ንእሽቶ ትምህርቲ ሃይማኖት

ብዶር. ማርቲን ሉተር
ቋንቋ ምረጽ ብዛዕባ

ጸሎት ኣቦና

ጸሎት ኣቦና

ከም ርእሲ እታ ስድራቤት፡ ወለዲ ንስድራቤቶም ብቐሊል መገዲ ኪምህሩ ይግባእ።

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና። ንሕና ንዝበደሉና ከም ዝሓደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና።

መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ ኣሜን።

መእተዊ

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? እግዚኣብሄር ንሱ ብሓቂ ኣቦና ምዃኑ፡ ንሕና ኸኣ ብሓቂ ደቁ ምዃንና ኽንኣምን እሞ፡ ፍቁራት ቈልዑ ንዜፍቅርዎ ኣቦኦም ከም ዚልምንዎ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብእምነትን ብትብዓትን ክንልምኖ፡ ብለውሃቱ በዚ ቓልዚ ይዕድመና።

ቀዳማይ ልማኖ

ስምካ ይቀደስ።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? ስም እግዚኣብሄር ብባህሪኡ ቅዱስ እዩ። ግናኸ ኣባና ድማ ስሙ ቅዱስ ኰይኑ ኪነብር በዚ ልማኖዚ ንጽሊ ኣሎና።

ስም እግዚኣብሄር ከመይ ኢሉ ቅዱስ ኰይኑ ይነብር? ቃል እግዚኣብሄር ብጽሩዩን ብሓቁን ምስ እንምህሮን፡ ንደቂ እግዚኣብሄር ከም ዚግብኦም ከምቲ ቓሉ ብቕድስና እንተ ነበርናን፡ ሽዑ ስም እግዚኣብሄር ኣባና ይቕደስ። ፍቁር ሰማያዊ ኣቦና፡ ነዚ ንምፍጻም ደግፈና። እቲ ኣንጻር ቃል እግዚኣብሄር ዚምህርን፡ ዚገብርን ግና ንሱ ኣብ መንጐና ዀይኑ ንስም እግዚኣብሄር የርክስ። ዎ ሰማያዊ ኣቦና፡ ካብዚ ሓልወና።

ካልኣይ ልማኖ

መንግስትኻ ትምጻእ።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? መንግስቲ እግዚኣብሄር ብሓቂ ብዘይ ልማኖና ባዕላ እያ ትመጽእ። ግናኸ ናባና ድማ ክትመጽእ፡ በዚ ልማኖዚ ንጽሊ ኣሎና።

መንግስቲ እግዚኣብሄር ከመይ ኢላ እያ ትመጽእ? መንግስቲ እግዚኣብሄር እትመጽእሲ፡ ብጸግኡ ነቲ ቅዱስ ቃሉ ምእንቲ ኽንኣምኖ እሞ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸም ፍቓዱ ኽንመላለስን ንዘለኣለም ብብጽእና ኽንነብርን ሰማያዊ ኣቦና ቅዱስ መንፈሱ ምስ ዚህበና እዩ።

ሳልሳይ ልማኖ

ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? እቲ ሰናይን ጸጋ ዝመልኦን ፍቓድ እግዚኣብሄር ብዘይ ልማኖና ይኸውን እዩ። ግናኸ ኣባና ድማ ኪኸውን በዚ ልማኖ እዚ ንጽሊ ኣሎና።

ፍቓድ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ይኸውን? እግዚኣብሄር ነቶም ንስሙ ከይነኽብር፡ መንግስቱ ኸኣ ናባና ከይትመጽእ ዚጻረሩና ሓይሊታት ሰይጣንን፡ ዓለምን፡ ሓጥእ ስጋናን፡ ንእኵይ ዕላማኦምን መደቦምን ብምስዓር ዓጊቱ፤ ክሳዕ ግዜ ሞትና ድማ ብቓሉን ብእምነትን እንተ ኣጽንዓናን እንተ ሓለወናን፡ ፍቓዱ ኣባና ይፍጸም። እዚ ጸጋ ዝመልኦ ጽቡቕ ፍቓዱ እዩ።

ራብዓይ ልማኖ

ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና።

እዚ እንታይ ማለት ኣዩ? እግዚኣብሄር ብዘይ ልማኖና፡ ነቶም ክፉኣት እኳ ከይተረፈ ናይ ዕለት እንጌራ ንዅሉ ሰብ ይህብ እዩ። ግናኸ ካብኡ ኸም እተቐበልናዮ ኽንፈልጥ፡ ነቲ ናይ ዕለት እንጌራና ድማ ብምስጋና ኽንቅበሎ፡ በዚ ልማኖዚ ንጽሊ ኣሎና።

ናይ ዕለት እንጌራ እንታይ እዩ? ንስጋዊ ንብረትና ዜድልን ዚድግፍን ዘበለ ዅሉ ኸም ብልዕን መስተን፡ ክዳን፡ ቤት፡ ግራት፡ ጥሪት፡ ገንዘብ፡ እግዚኣብሄር እትፈርህ ብዓልቲ ቃል-ኪዳን ሓደው እግዚኣብሄር ዚፈርህ ብዓል ቃል-ኪዳን፡ እግዚኣብሄር ዚፈርሁ ውሉድን ሰራሕተኛታትን፡ እግዚኣብሄር ዚፈርሁን እሙናትን ሰብ ስልጣን፡ ፍትሒ ዝመልኦ ናብራ፡ ሰናይ ዘመን፡ ዕርቂ፡ ጥዕና፡ ስርዓትን ክብርን፡ ሕያዎት ፈተውቲ፡ እሙናት ጐረባብቲ፡ ነዚ ዚመስል ካልእ ኵሉ ናይ ዕለት እንጌራና እዩ።

ሓምሳይ ልማኖ

ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? በዚ ልማኖዚ፡ ሰማያዊ ኣቦና ንሓጢኣትና ኸይርኢ፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ድማ እቲ እንልምኖ ኸይከልኣና፡ ንጽሊ ኣሎና። ነቶም ኺህበና እንልምኖ ዘሎና ነገራት ኣይግብኣናን ብጻማናውን ኣይንረኽቦምን። ወርትግ ብዙሕ ሓጢኣት ስለ እንገብር ድማ፡ ብሓቂ ዓብዪ መቕዘፍቲ ምተገብኣና፤ እግዚኣብሄር ግና ንዅሉ ብጸግኡ ይህበና። ከምዚ ኻብ ኰነስ፡ ንሕና ድማ ንዝበደሉና ብልብና ይቕረ ንብለሎም፡ ጽቡቕ ከኣ ንገብረሎም።

ሳድሳይ ልማኖ

ኣብ ፈተና ኣይተእትወና።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? እግዚኣብሄር ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ። ግናኸ ሰይጣንን ዓለምን ስጋናን ናብ ግጉይ እምነትን ኣብ ምቕባጽ ተስፋን ኣብ ካልእ ዓብዪ ሓጢኣትን መጻወድያን ከየውድቑናን ከየስሕቱናን፡ እግዚኣብሄር ኪሕልወናን ኬጽንዓናን፡ በዚ ልማኖዚ ንጽሊ ኣሎና። በዚኣቶም እኳ እንተ ተፈተንና፡ ተዋጊእና ኽንስዕሮምን ዓወት ክንረክብን ንልምን።

ሳብዓይ ልማኖ

ካብ ክፉእ ኣድሕነና።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? ሰማያዊ ኣቦና ስጋን ነፍስን ካብ ዚጐድእ ኵሉ ኽፉእን ድንገትን ስልጣን ኣጋንንቲን ሕማቕ ሽምን ኬድሕነና፡ ዕድሜና ምስ በጽሔ ኸኣ ብጹእ ስንብታ ኺህበና፡ ብምሕረቱውን ካብ ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣ ኣልዒሉ ናብ ሰማያዊ ቤቱ ኼእትወና፡ በዚ ልማኖዚ ንጽሊ ኣሎና።

መደምደምታ

መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ። ኣሜን።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? ሰማያዊ እግዚኣብሄር ኣቦና ኸምዚ ኢልና ኽንጽሊ ኣዚዙና፡ ነዚ ጸሎትና ኸም ዚሰምዖ ኸኣ ኣተስፍዩና እዩ እሞ፡ በዚ ኣሜን ዚብል ቃል፡ እግዚኣብሄር ንጸሎተይ ከም ዚሰምዖን ፈትዩ ኸም ዚቕበሎን ኣርጊጸ እፈልጥ ኣሎኹ። ኣሜን፡ ኣሜን፡ እወ፡ እወ፡ ከምኡ ኪኸውን ማለት እዩ።