ንእሽቶ ትምህርቲ ሃይማኖት

ብዶር. ማርቲን ሉተር
ቋንቋ ምረጽ ብዛዕባ

ኑዛዜ

ኑዛዜ

ክርስትያን ከመይ ጌሮም ከም ዚናዘዙ ኪመሃሩ ይግባእ።

ኑዛዜ እንታይ እዩ?

ኑዛዜ ክልተ ክፍሊ ኣለዎ፤

ቀዳማይ፡ ሓጢኣትና ንናዘዝ፤ ካልኣይ፡ ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣምላኽና ሓጢኣትና ከም እተሓድገና ከይተወላወልና፡ ነቲ ካህን ዜስምዓና ኣዋጅ ሕድገት ሓጢኣት ካብ እግዚኣብሄር ባዕሉ፡ ከም እተቐበልናዮ ምእማን እዩ።

ነየናይ ሓጢኣት ክንናዘዝ ይግባእ?

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ኣብ ጸሎት ኣቦና እንደግሞ፡ ዅሉ ሓጢኣትና፡ እቲ ዘይንዝክሮውን ከይተረፈ፡ ክንናዘዝ ይግባእ፤ ኣብ ቅድሚ ካህን ግና፡ ነቲ እንፈልጦን ኣብ ልብና ዚስምዓናን ሓጢኣት ጥራይ ክንናዘዝ ይግባእ።

ንሳተን ኣየኖት እየን?

ብመሰረት እተን ዓሰርተ ትእዛዛት፡ ኣብ መነባብሮኻ ዘሎካ ሓላፍነት ዘክር፤ ኣቦ፡ ኣደ፡ ወዲ፡ ጓል፡ በዓል ቃል ኪዳን፡ በዓልቲ ቃል ኪዳን ወይ ሰራሕተኛ ዲኺ? ሓራቕ፡ ዘይእዙዝ፡ ገንጫር ወይ ተባኣሲዶ ኢኻ? ብቓልን ብግብርንዶ ንኻልእ ሰብ በዲልካ ኢኻ? ሰሪቕካዶ? ተገቢዝካዶ? ዝዀነ ነገርዶ ኣባኺንካ ወይ ዝጐድእ ነገር ፈጺምካ?

መረድኢ ሓጺር ኣገባብ ስርዓት ኑዛዜ

መንፈሳዊ መራሒ ማርቲን ሉተር ነዚ ዝስዕብ ሓጺር ኣገባብ ኑዛዜ፡ ነቶም ብዘመኑ ዝነበሩ ክርስትያን ኣብ ብሕታዊ ኑዛዜኦም ኪጥቀሙሉ ከም ኣብነት ኪኸውን እዩ ዝጸሓፎ። ንዘመናዊ ኣገባብ ብሕታዊ ኑዛዜ ዚኸውን ኣብ መጽሓፍ ኣምልኮ ወንጌላውያን ሉተራውያን፡ ገጽ 310-311 ተመልከት።

እቲ ሓጢኣት ዚናዘዝ ከምዚ ይብል፤

ክቡር ሰማዒ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኪፍጸምሲ፡ ንምንዛዘይ ክትሰምዕን ሕድገት ሓጢኣተይ ድማ ክትነግረንን እሓተካ ኣሎኹ?

ኣነ ድኹም ሓጥእ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በደል ከም ዝፈጸምኩ፡ ሓጢኣተይ እእመን ኣሎኹ። ብፍላይ ድማ፡ ከም ኣገልጋሊ ወይ መጕዚት፡ ወዘተ . . . እተወሃብክዎ ሓላፍነት ስለ ዘይፈጸምኩ፡ ንሓለቓይ እሙን ከምዘይኰንኩ፡ ኣብ ቅድሜኻ እናዘዝ ኣሎኹ። ኣቘጢዐዮ፤ ኪራገምውን ምኽንያት ኴንክዎ። ብግብዝናይውን ዕንወት ኪፍጸም ኣፍቀድኩ። ብቓላተይን ብግብረይን ድማ ዓገብኩ። ምስ ብጾተይ ተባኢሰ። ንእመቤት ናይዚ ገዛውን ኣጕረምረምኩላን ረገምኩዋን። ብዝገበርክዎ ዅሉ ተጣዒሰ እየ እሞ፡ ብዝበለጸ ምእንቲ ኼገልግልሲ፡ ጸጋ ኪረክብ እልምን ኣሎኹ።

እቲ በዓልቤት ወይ ድማ በዓልቲቤት ናይቲ ገዛ ድማ ከምዚ ይበሉ፤

ብፍላይ ንደቀይን፡ ኣገልገልተይን ሰበይተይን፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢለ ብትግሃት ከምዘይመራሕክዎም ኣብ ቅድሜኻ እናዘዝ ኣሎኹ። ተራጊመ። ብምጽራፈይን እኩይ ተግባራተይን ድማ ሕማቕ ኣብነት ኰይነ። ብዛዕባ ብጻየይ ክፉእ ብምዝራብ ጐዳእኩዎ። ዘይግባእ ዋጋ ኣኽፊለ፤ ዘይብቑዕ ኣቐሓ ሸይጠ፤ ነቲ ዋጋ እተኸፍሎ ድማ ኣጕዲለ ሂበ።

[እቲ ዚጠዓስ፡ ካልእ ኣብ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ኣብ እተዋህቦ ሓላፍነትን ዚበደሎ ፍሉይ በደል እንተሎ ብዛዕባ ዅሉ ይናዘዝ።]

እቲ ዚናዘዝ ሰብ፡ ብዛዕባ እቶም ኣዝዮም ዝኸብድዎን ኪዝክሮም ዚኽእል በደላትን ኪጠቅስ እምበር፡ ኪዝክሮን ኪጠቕሶን ዘይክእል ሓጢኣት ንምርካብን ምፍጣርን ንነፍሱ ኬሸግራን ኬጨንቓን ኣይግባእን። ኣብ ክንድኡ ግና፡ በቶም ንብጻየይ ከም ነፍሰይ ኣይፈተኹን፡ ተራጊመ፡ ብቓልን ግብርን በዲል፡ ተገቢዘ፡ ትእዛዛትካ ኣፍሪሰ ዚብሉ ቃላትን ጠቕላላ ሓሳባቶምን ምንዛዙ እኽêል እዩ።

እትፈልጦ እንተ ዘይብልካ (ዘይኰውን እኳ እንተ መሰለ)፡ ገለ ነገር ኣይትጥቀስ። ኣብ ቅድሚ እቲ ንኑዛዜኻ ዚሰምዕ ድማ በቲ ንኣምላኽ እትእመኖ ሓፈሻዊ ሓጢኣትካ ተናዚዝካ፡ ሕድገት ተቐበል።

እቲ ዜናዝዝ ድማ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ነቲ ዚንሳሕ የጸናንዕ፤

እግዚኣብሄር ምሕረቱ የውርደልካ ንእምነትካ ድማ የጽንዓዮ። ኣሜን።

እቲ ዜናዝዝ ሰማዒ ደጊሙ ከምዚ ዚስዕብ ይሓትት፤

ዝነገርኩኻ ሕድገት ሓጢኣትሲ ካብ ኣምላኽ ምዃኑዶ ትኣምን ኢኻ?

እወ፡ ክቡር ሰማዒ።

ብድሕሪኡ እቲ ዜናዝዝ ከምዚ ይበል፤

ከም እመነትካ ይኹነልካ። ኣነ ድማ ከም ትእዛዝ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብስም እቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሕድገት ሓጢኣትካ እነግረካ ኣሎኹ። ኣሜን። ብሰላም ኪድ።

እቲ ኑዛዜ ዚሰምዕ ሰብ፡ ንእምነት ናይቶም ዓብዪ ናይ ሕሊና ሸኽምን ሓዘንን ጭንቀትን ዘለዎም ሰባት ዜጸናንዕን ሓይሊ ዚህብን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብተወሳኺ የስምዖም።

እዚ ከም ሓፈሻዊ ኣገባብ ኑዛዜ ኪኸውን ጥራይ እዩ ቀሪቡ ዘሎ።

ግብሪ መርሖታት

ግብሪ መርሖታት መንፈሳዊ ኣገልግሎት እንታይ እዩ?

ግብሪ መርሖታት፡ መንፍሳዊ ኣገልግሎት የሱስ ክርስቶስ ነታ ኣብ ምድሪ ዘላ ቤተክርስትያኑ፡ ንዚንስሑ ሓጥኣን፡ ሓጢኣቶም ክትሓድገሎም፡ ንዘይንስሑ ድማ ክሳዕ ዚንስሑ ሓጢኣቶም ክትሕዘሎም ዝሃባ፡ ፍሉይ ስልጣን እዩ።

እዚ ኣበይ ተጽሒፉ ኣሎ?

እዚ ወንጌላዊ ዮሃንስ ኣብ ምዕራፍ ዕስራ ዝጸሓፎ ትእዛዝ እዩ፡ “እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡ ሓጢኣቶም ንዝሓደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሓዝኩምሎም ከኣ ይተሓዘሎም እዩ በሎም” (ዮሃ 20፡22-23)።

ብመሰረት እዘን ቃላት እዚኣተን እንታይ ትኣምን?

እቶም እተቐብኡ ኣገልገልቲ ክርስቶስ፡ ብመሰረት እቲ እተቐበልዎ መለኮታዊ ትእዛዝ፡ ብፍላይ ነቶም ዘይተነስሑ ሓጥኣን ካብ ማሕበር ክርስቶስ ምስ ዚውግዝዎምን፡ ነቶም እተነስሑን ንብረቶም ኬዐርዩ ዚደልዩን ድማ ፍትሓት ምስ ዚገብሩሎምን፡ ክርስቶስ ባዕሉ ከም ዚፈጸሞ ኣብ ሰማይውን ቅቡልን ሓቅን ምዃኑን እኣምን።