ንእሽቶ ትምህርቲ ሃይማኖት

ብዶር. ማርቲን ሉተር
ቋንቋ ምረጽ ብዛዕባ

ብዛዕባ

ብዛዕባ

ንእሽቶ ትምህርቲ ሃይማኖት

እዛ ትምህርቲ ሃይማኖት ክፋል ናይ ዝዀነ ክርስትያን መደበር መጻሕፍቲ ክትከውን ይግባእ። እዛ ትምህርቲ ሃይማኖት፡ ሓጻርን ብርህቲ ጽሟቕ ቃል ኣማልኽን ብምዃና፡ ግለ ሰባትን ቤተሰባትን ከም ሓያል መሳርሒን መጽሓፍ ጸሎትን ኪጥቀሙላ ይከኣል። እዛ ትምህርቲ ሃይማኖት ብማርቲን ሉተር ብ 1529 እተጻሕፈት እኳ እንተ ዀነት፡ ብሕቶን መልስን ዚቐረበት፡ ግዝያዊ ገደብ ዘይብላ፡ ንኽትጥቀመላ ቀላልን ንዅሉ ሸነኻት ህይወትና ዚጠቅም ትምህርቲ ዝሓዘትን እያ። ንእሽቶ ትምህርቲ ሃይማኖት፡ ነተን ሹዱሽተ ክፍለ ርእሲ ትምህርቲ ሃይማኖት ትምርምር። እተን ሹዱሽተ ክፍለ ርእሲ ትምህርቲ ሃይማኖት፤ ዓሰርተ ትእዛዛት፣ ናይ ሃዋርያት መርገጺ እምነት፣ ጸሎት ኣቦና፣ ምስጢር ጸጋ ቅዱስ ጥምቀት፣ኑዛዜ፣ ምስጢር ቅዱስ ቍርባን እየን። ብተወሳኺ፡ መዓልታዊ ጸሎት፡ ስርዓተ ክርስትያንን፡ ንቕዱስ ቍርባን ንምድላው ዚጠቅም መምርሕን ተማልእ።
ከምኡውን ከም ሓጻር መሪሐ መጽሓፍ ተባሂላ ትፍለጥ።
ነዛ ንእሽቶ ናይ ሉተር ትምህርቲ ሃይማኖት፡ ከብ መጀምርታ ታሪኽ ሉተራዊት ቤተክርስትያን ጀሚሩ፡ መግለጺ ክፍሊ ትሕዝቶኣ ዘማለአት እያ። ትምህርቲ ሃይማኖት፡ ግለሰባት ንትሕዝቶኣ ንኽርድእዎን ኣብ ጥቕሚ ህይወቶም ኬውዕልዎን ተሰርዐት። ናይ ሉተር ንእሽቶ ትምህርቲ ሃይማኖት ምስ መግለጺኣ ብዝተፈላለይ መልክዕ ካብ ኮንኮርድያ ማሕተም መጻሕፍቲ ክትግዛእ ይከኣል እዩ።

ብዛዕባ መሰል ደራሲ ዚምልከት መተሓሳሰቢ

ካብ ናይ ሉተር ንእሽቶ ጥምህርቲ ሃይማኖት œ 1986 ቤት ማሕተም ኮንኮርድያ። መሰል ደራሲ እተሓለወ እዩ። ካብ ንንግዳዊ ዘይኮነ ግላዊ፡ ማሕበራዊን፡ ትምህርታዊ ጥቕምን ሓሊፉ፣ ገለ ክፋል ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዘይ ቅድመ ጽሑፋዊ ፍቓድ ቤት ማሕተም ኮንኮርድያ ብዝዀነ ኣገባብ ወይ ዓይነት፡ ኤለክትሮኒካዊ፡ መካኒካዊን ወይ ካልእ መዳይ ኪባዛሕን ኣብ ኪምለሰሉ ዚኽእል መሳርሒ ኪኽዘንን፡ ወይ ኪመሓላለፍን ብሕጊ እተኸልከለ እዩ። ኮንኮርድያ ኣብ ናትካ/ኪ ወብ-ሳይትን ካልኦት ሶሻል ነትዎርክን ገጽ ነዛ ሰንሰለት መራኸቢት ኬተንብርዋ ትዕድመኩም። ንኻልኦት ጥቕምታት ፍቓድ ንምርካብ ብዚምልከት ንቤት ማሕተም ኮንኮርድያ ብተሌፎን - 1-800-325-0191 ወይ ብኢ-መይል copyright@cph.org ኪሕተት ይከኣል።