ንእሽቶ ትምህርቲ ሃይማኖት

ብዶር. ማርቲን ሉተር
ቋንቋ ምረጽ ብዛዕባ

ክርስትያናዊ ሕቶታትን መልስታቶምን

ክርስትያናዊ ሕቶታትን መልስታቶምን

ራብዓይ ክፍሊ

ነቶም ቅዱስ ቍርባን ንምቕባል ዝዳለዉ ብዶክተር ማርቲን ሉተር እተዳለወ

ንስሓ ንዝኣተዉ፡ ብዛዕባ ዓሰርተ ትእዛዛትን፡ ጸሎት ኣቦናን፡ መርገጺ ሃይማኖት ክርስትናን፡ ቅዱሳት ምስጢራት ቅዱስ ጥምቀትን፡ ቅዱስ ቍርባንን፡ ምስ ተማህሩ፡ እቲ ካህን ወይ ድማ ክርስትያን ንርእሶም እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክሓቱ ይኽእሉ፤

1. ሓጥእ ምዃንካዶ ትኣምን ኢኻ?

እወ፡ ሓጥእ ምዃነይ እኣምን እየ።

2. ሓጥእ ምዃንካ ከመይ ጌርካ ትፈልጥ?

በተን ክሕልወን ዘይከኣልኩ ዓሰርተ ትእዛዛት።

3. ብሓጢኣትካዶ ትጠዓስ ኢኻ?

እወ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ስለ ዝኣበስኩ ሓጢኣተይ እናዘዝ ኣሎኹ።


###4. ካብ እግዚኣብሄር ዚግብኣካ ዓስቢ ሓጢኣትካስ እንታይ እዩ?

ጓህን ቍጥዓ ኣምላኽን፡ ስጋዊ ሞትን፡ ናይ ዘልኣለም ኵነኔን። ሮሜ 6፡21፡ 23።

5. ክትድሕንዶ ተስፋ ኣሎካ?

እወ፡ ተስፋይ ኪድሕን እዩ።

6. ስለዚ ብመን ኢኻ እትእመን?

ብፍቁር ጐይታይ፡ የሱስ ክርስቶስ።

7. ክርስቶስ መን እዩ?

ናይ ሓቂ ኣምላኽን ሰብን ዝዀነ፡ ወዲ ኣምላኽ እዩ።

8. ክንደይ ናይ ሓቂ ኣማልኽቲ ኣለዉ?

ሓደ ጥራይ፡ ግን ስሉስ ኣምላኽ ድማ እዩ፤ እቦን፡ ወድን፡ መንፈስ ቅዱስን

9. ክርስቶስ እንታይ ስለ ዝገበረልካ ኢኻ እትእመኖ?

ንሱ ንሕድገት ሓጢኣተይ ሞይቱለይን ኣብ መስቀል ደሙ ኣፍሰሰለይን።

10. እግዚኣብሄር ኣቦኸ ሞይቱልካዶ?

እግዚኣብሄር ኣቦ ኣምላኽ ጥራይ እዩ፡ ከምኡውን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ። እግዚኣብሄር ወዲ ግን፡ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ሰብን እዩ፤ ምእንታይ ድማ ሞተን ደሙ ኣፍሰሰን።

11. ነዚ ከመይ ትፈልጦ?

ነዚ ሓቂ እዚ ካብቲ ቅዱስ ወንጌልን፡ ነቲ ቅዱስ ምስጢር ዚሰርዑ ቃላትን፡ ካብቲ በቲ ቅዱስ ምስጢር ዝረኽቦ ህያብ ቃል ኪዳንን፡ እመሃሮ።

12. እቶም ቃላት ምስራዕ እንታይ እዮም?

ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ንደቀመዛሙርቱ፡ ከምዚ ኢሉ ሃቦም፡ “ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታ ግበርዎ።”

ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር፡ ነታ ጽዋእ ኣልዓለ፡ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሃቦም፡ “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅሉኹም ስተዩ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ።”

13. ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ስጋን ደምን ክርስቶስ ኣብዚ ቅዱስ ምስጢር እዚ ከም ዘሎዶ ትኣምን?

እወ፡ እኣምን እየ።

14. ነዚ ንኽትኣምን ዚረትዓካ ኣንታይ እዩ?

እቲ “ውሰድ ብላዕ እዚ ስጋይ እዩ፤ ዅሉኹም ካብዚ ስተዩ፡ እዚ ደመይ እዩ፡” ዚብል ቃል ክርስቶስ።

15. ስለቲ ስጋኡን ደሙን ብምቕባል እንረኽቦ መብጽዓ እንታይ ክንገብር ኣሎና?

ከምቲ “ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡” ኢሉ ዝመሃረና፡ ንሞቱን ስሌና ዝፈስስ ደሙን ክንዝክርን ክንነግርን ይግብኣና።

16. ስለምንታይ ሞቱ ክንዝክርን ክንነግርን ይግብኣና?

ቀዳማይ፤ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ሰብን፡ በይኑ እምበር፡ ካልእ ፍጡር ንዕዳ ሓጢኣትና ኪኸፍል ከም ዘይክእል ንምእማን ክንመሃር።

ካልኣይ፤ ክብደት ሓጢኣትና ንኽንፈልጥን፡ ብሓጢኣትና ምርዓድ ክንመሃርን።

ሳልሳይ፤ ሓጐስን፡ ምጽንናዕን ኣብ ክርስቶስ በይኑ ኽንረክብን፡ ንእኡ ብምእማን ክንድሕንን።

17. ክርስቶስ ምእንታኻ ኪመውትን ዕዳ ሓጢኣትካ ኪኸፍልን ዝደሮኾስ እንታይ እዩ?

ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 14፤ ሮሜ 5፤ ገላትያ 2፤ ኤፌሶን 5 ተጽሒፉ ዘሎ፡ ንኣቦኡን፡ ንዓይን ንካልኦት ሓጥኣንን ዘለዎ ዓብዪ ፍቕሪ ደሪኽዎ።

18. ብሓፈሻኡ፡ ስለምንታይ ክትቈርብ ትደሊ ኣሎኻ?

ብመሰረት ዓብዪ ፍቕሩ፡ ክርስቶስ ስለ ሓጢኣተይ ከም ዝሞተ ምእማንን፡ ካብ ክርስቶስ ድማ ንኣምላኽን ንብጻየይን ምፍቃርን ክመሃር።

19. ንክርስትያን ብዘይ ምብኳር ናብ ቁርባን ንምቕራብ እንታይ ክምዕዶምን ከበርትዖምን ይግባእ?

ቀዳማይ፤ ትእዛዝን መብጽዓን ክርስቶስ ጐይታ።

ካልኣይ፤ እቲ ንምቝራብ እተዋህበ ትእዛዝን፡ ምትብባዕን መብጽዓን ምኽንያት ዝዀኖ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ዓብዪ ጕድለት።

20. ብዛዕባ ጉደለትካ ዘይትፈልጥን፡ ጥሜትን ጽምኣትን ናይ ቅዱስ ቍርባን ምስ ዘይህልወካንሲ እንታይ ክትገብር ይግብኣካ?

ካብዘን ዝስዕባ ዚበልጽ ካልእ ምኽሪ ንኸምዚ ዝኣምሰለ ሰብ ኪወሃብ ኣይክእልን፤

ቀዳማይ፤ ስጋን ደምን ከምዘለዎ ንምርኣይ ኣካሉ ኪትንኪ ይግባእ። ካብኡ ቀጺሉ እቲ ጽሑፋት ኣብ ገላትያ 5ን ሮሜ 7ን ዚብሎ ኪኣምን ይግብኦ።

ካልኣይ፤ ከምቲ ጽሑፋት ኣብ ዮሃንስ 15-16ን ኣብ ፩ይቲ ዮሃንስ 2ን 5ን ዚብሎ፡ ውሕደት ሓጢኣትን ጸበባን ከም ዜልቦ ብምዝካር፡ ገና ኣብ ዓለም ምህላዉ ንምፍላጥ ዙርያኡ ክዕዘብ ይግብኦ።

ሳልሳይ፤ ከምቲ ጽሑፋት ኣብ ዮሃንስ 8ን 16፡ ፩ይቲ ጴጥሮስ 5ን፡ ኤፌሶን 6ን፡ ፪ይቲ ጢሞቴዎስ 2ን ዚገልጾ፡ ብርግጽ ድያብሎስ ብውሽጥን ብግዳምን ለይቲ ምስ መዓልቲ ብሓሶቱን ቅትለቱን ሰላም ኪኸልኦ ኣብ ዙርያኡ ኪህሉ እዩ።

መዘከርታ

እዘን ሕቶታትን መልስን፡ ብኽቡርን እሙንን ዶክቶር ሉተር፡ ብቕንዕናን ዕላማ ብዚመልኦ ድሌትን፡ ንንኡሳንን ኣረጋውያንን እተጻሕፋ ድኣ እምበር ንመጻወቲ ቘልዑ ኣይኰነን። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ምዕራፍ 6፡ “ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ፡” ዚብሎ፡ ነፍሲ ወክፍ ነዚ ይገንዘቦን ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ገይሩ ይቝጸሮን።