ንእሽቶ ትምህርቲ ሃይማኖት

ብዶር. ማርቲን ሉተር
ቋንቋ ምረጽ ብዛዕባ

ዓሰርተ ትእዛዛት

ዓሰርተ ትእዛዛት

ቀዳማይ ክፍሊ

ከም ርእሲ እታ ስድራቤት፡ ወለዲ ንስድራቤቶም ብቐሊል መገዲ ኪምህሩ ይግባእ።

ቀዳማይ ትእዛዝ

ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሃልዉኻ።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕሊ ዅሉ ጌርና ክንፈርሆን ከነፍቅሮን ክንኣምኖን፡ ኣሎና።

ካልኣይ ትእዛዝ

ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? ንእግዚኣብሄር ፈሪህናን ኣፍቂርናን፡ ንስሙ ብዅሉ መከራና ኽንጽውዖን፡ ክንልምኖን፡ ከነመስግኖን፡ ክንውድሶን እምበር፡ ንስሙ መርገሚ፡ መምሓሊ፡ መጠንቈሊ፡ መሓሰዊ፡ መጠበሪ ኸይንገብሮ ይእዝዘና።

ሳልሳይ ትእዛዝ

መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? ንእግዚኣብሄር ፈሪህናን ኣፍቂርናን፡ ንቓሉን ስብከትን ቅዱስ ጌርና ክንሕዞ፡ ባህ ኢሉና ድማ ክንሰምዖን ክንምህሮን እምበር፡ ከይንንዕቆ ይእዝዘና።

ራብዓይ ትእዛዝ

ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? ንእግዚኣብሄር ፈሪህናን ኣፍቂርናን፡ ንወለድናን ንመራሕትናን ከነኽብሮም፡ ከነገልግሎም፡ ክንእዘዞም፡ ከነፍቅሮም፡ ኣብ ልብና ኸነሕድሮም እምበር፡ ከይንንዕቆምን ከይነዀርዮምን ይእዝዘና።

ሓምሳይ ትእዛዝ

ኣይትቕተል።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? ንእግዚኣብሄር ፈሪህናን ኣፍቂርናን፡ ንብጻይና ብዅሉ ፍርሃቱን ሽጋሩን ክንረድኦን ክንድግፎን እምበር፡ ንህይወቱ ኸይንጐድኣን ከይንብድሎን ይእዝዘና።

ሳድሳይ ትእዛዝ

ኣይትዘሙ

እዚ እንታይ ማለት እዩ? ንእግዚኣብሄር ፈሪህናን ኣፍቂርናን፡ ብቓልናን ብግብርናን ተጠንቂቕና፡ ኣብ ጾታዊ ህይወትና ብንጽህናን ብርዝነትን ኽንነብር፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኪዳን ድማ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ኪከባበሩን ይእዝዘና።

ሳብዓይ ትእዛዝ

ኣይትስረቕ።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? ንእግዚኣብሄር ፈሪህናን ኣፍቂርናን፡ ንብጻይና ጥሪቱን ትሕድርቱን ከም ዚበዝሓሉን ከም ዚሕለወሉን ክንድግፎ እምበር፡ ማሉን ቅርሹን ከይንሰርቕ፡ ብዘይግባእ መሸጣን ገምጋምን ሸፊጥናን ኣዓሺናን ከይንወስደሉ ይእዝዘና።

ሳምናይ ትእዛዝ

ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር

እዚ እንታይ ማለት እዩ? ንእግዚኣብሄር ፈሪህናን ኣፍቂርናን፡ ንብጻይና ዝመጾ ኽሲ ኸም ዚቐለሉ ኽንገብር፡ ብዛዕብኡ ጽቡቕ ክንሓስብን ክንዛረብን፡ እንሰምዓሉ ዅሉውን ናብ ጽቡቕ ክንመልስ እምበር፡ ከይንሕስወሉ፡ ምስጢሩ ኸይንገልጸሉ፡ ከይንሓምዮ፡ ስሙ ከይነኽፍእ ይእዝዘና።

ታስዓይ ትእዛዝ

ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? ንእግዚኣብሄር ፈሪህናን ኣፍቂርናን፡ ናይ ብጻይና ዘበለ ዅሉ ኣብ ዋናኡ ኸም ዚነብር ክንድግፎ እምበር፡ ርስቱን ገንዘቡን ብተንኰል ከይንምነዮ፡ ብሸፈጥውን ከይንወስደሉ ይእዝዘና።

ዓስራይ ትእዛዝ

ሰበይቲ ብጻይካ፡ ግዝኡ፡ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ፡ ኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዅሉ ኣይትተምነ።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? ንእግዚኣብሄር ፈሪህናን ኣፍቂርናን፡ ሰበይቲ ብጻይናን ግዙኣቱን ምስኡ ጸኒዖም ኪነብሩን ዚግብኦም ኪገብሩን፡ ክንመኽሮምን ክንሕልዎምን እምበር፡ ከይንሓብሎም፡ ልቦም ካብኡ ኸይንፈሊ፡ ካብኡውን ከይነውጽኦም ይእዝዘና።

ናይ ትእዛዛት መደምደምታ ሓሳብ፤

እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዘን ዓሰርተ ትእዛዛት እንታይ ይብለና?

“ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እየ ኣሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ስልሳይን ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዚቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ።” (ዘጸ 20፡5-6)

እዚ እንታይ ማለት እዩ? እግዚኣብሄር ነዘን ትእዛዛት እዚአን ዘፍረሰ ከይቀጽዐ ኣይሓድጎን እዩ እሞ፡ ቍጥዓኡ ፈሪህና፡ ንሕግታቱ ኣይነፍርስ። ነቶም ንሕግታቱ ዚሕልዉ ግና ጸጋን ኵሉ በረኸቱን ኪህቦም ቃል ኣተወ። ስለዚ ንእግዚኣብሄር ከነፍቅሮን ክንኣምኖን፡ ዝኣዘዘና ዅሉ ድማ ብሓጐስ ክንፍጽምን ኣሎና።