ንእሽቶ ትምህርቲ ሃይማኖት

ብዶር. ማርቲን ሉተር
ቋንቋ ምረጽ ብዛዕባ

ምስጢር ቅዱስ ቍርባን

ምስጢር ቅዱስ ቍርባን

ከም ርእሲ እታ ስድራቤት፡ ወለዲ ንስድራቤቶም ብቐሊል መገዲ ኪምህርዎም ይግባእ።

ቅዱስ ቍርባን እንታይ ኣዩ?

ቅዱስ ቍርባን፡ ኣብቲ ዚወሃብ እንጌራን ወይንን ዚርከብ፡ ንኣና ክርስትያን ክንበልዖን ክንሰትዮን ክርስቶስ ዝሰርዖ፡ ሓቂ ስጋን ደምን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እዩ።

እዚ ኣበይ ተጽሒፉ ኣሎ?

ቅዱሳን ወንጌላውያን ማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን ሃዋርያ ጳውሎስን ከምዚ ኢሎም ጸሓፉ፤ “ጐይታና የሱስ ክርስቶስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዒሉ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንተመሃሮኡ ሂብዎም ከኣ በለ፤ ውሰዱ እሞ ብልዑ። እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ስጋይ እዩ። ንመዘከርታይ ግበርዎ። ከምኡ ድማ ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ፡ ንተመሃሮኡ ሃቦም እሞ በለ፤ ውሰዱ፡ ኵላትኩም ካብዚ ስተዩ። እዛ ጽዋእ እዚኣ በቲ ምእንታኹምን ምእንቲ ብዙሓትን ንሕድገት ሓጢኣት ዚክዖ ደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። እዚ ምስ እትሰትዩ ድማ ንመዘከርታይ ግበርዎ።”

ረብሓ ናይዚ ምብላዕን ምስታይንሲ እንታይ እዩ?

እዘን “ምእንታኹም ንሕድገት ሓጢኣት እተዋህበን እተኸዖን፡” ዚብላ ቃልት፡ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ሕድገት ሓጢኣትን፡ ህይወትን ብጽእናን ከም ዚውሃበና የረጋግጻልና። ኣብቲ ሕድገት ሓጢኣት ዘለዎ፡ ህይወትን ብጽእናን ድማ ኣሎ።

ከመይ ገይሩ እዩ እዚ ምብላዕን ምስታይን ዓብዪ ነገር ዚገብር?

ብሓቂ ነዚ ነገራት እዚ ዚገብርሲ ምብላዕን ምስታይን ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ “ምእንታኹም ንሕድገት ሓጢኣት እተዋህበን እተኸዖን፡ ዚብላ ቃላት እየን። እዘን ቃላት እዚኣተን ምስቲ ምብላዕን ምስታይን ኣብ ቅዱስ ቍርባን ቀንዲ ነገር እየን። በዘን ቃላት ዚኣምን፡ ብሓቂ እቲ ዚብልኦ፡ ማለት “ሕድገት ሓጢኣት” ኣለዎ።

መን እዩ ቅዱስ ቍርባን ብብቕዓት ዚቕበል?

ጾምን ስጋዊ ምድላውን ብርግጽ ጽቡቕ ግዳማዊ ስርዓት እዩ። ግናኸ እቲ በዘን “ምእንታኹም ዚውሃብን ዚክዖን ንሕድገት ሓጢኣት፡” ዚብላ ቃልት ዚኣምን ሰብ ብሓቂ ብቑዕን እተዳለወን እዩ።
እዛ “ምእንታኹም” እትብል ቃል ፍጹም ኣማኒ ልቢ ስለ እትደሊ፡ እቲ በዘን ቃላት ዘይኣምንን ዚወላወልን ሰብ ግና ኣይበቕዐን፡ ኣይተዳለወን ማለት እዩ።