ንእሽቶ ትምህርቲ ሃይማኖት

ብዶር. ማርቲን ሉተር
ቋንቋ ምረጽ ብዛዕባ

ምስጢር ጸጋ ቅዱስ ጥምቀት

ምስጢር ጸጋ ቅዱስ ጥምቀት

ከም ርእሲ እታ ስድራቤት፡ ወለዲ ንስድራቤቶም ብቐሊል መገዲ ኪምህሩ ይግባእ።

ቀዳማይ ሓሳብ

ጥምቀት እንታይ እዩ?

ጥምቀት ብትእዛዝ እግዚኣብሄር እተሰርዔ፡ ምስ ቃል እግዚኣብሄር ድማ እተወሃሃደ ማይ እዩ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይኰነን።

እቲ ቓል እግዚኣብሄር ኣየናይ እዩ?

ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ መወዳእታ ምዕራፉ ናይ ወንጌል ማቴዎስ፤ “ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ዅሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።” ዝበሎ ቓል እዩ (ማቴ 28፡19-20)።

ካልኣይ ሓሳብ

ጥምቀት እንታይ ጥቕሚ ይህብ?

ጥምቀት፡ ከምቲ ቃል እግዚኣብሄርን ተስፋኡን ዚብሎ፡ ንዚኣምኑ ዅሎም ሕድገት ሓጢኣት የምጽእ፡ ካብ ሞትን ስልጣን ሰይጣንን የድሕን፡ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ድማ የውህብ።

እቲ ቓል እግዚኣብሄርን ተስፋኡንከ ኣየናይ እዩ?

ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ወንጌል ማርቆስ፤ “ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ፥ ይብል።” (ማር 16፡16)

ሳልሳይ ሓሳብ

ማይሲ ኸመይ ኢሉ እዩ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ነገር ኺገብር ዚኽእል?

እቲ ምስ ማይ እተወሃሀደ ቃል እግዚኣብሄርን ነቲ ኣብቲ ማይ ዘሎ ቃል እግዚኣብሄር ዚቕበል እምነትን እዩ እምበር፡ ብሓቂ ማይ ጥራይ ኣይኰነን። ብዘይ ቃል እግዚኣብሄርሲ እቲ ማይ፡ ማይ ጥራይ እዩ፡ ጥምቀትውን ኣይኰነን። ምስ ቃል እግዚኣብሄር ግና፡ ህይወት ዚህብ ጸጋ ዝመልኦ ብመንፈስ ቅዱስ ንሓድሽ ልደት ምሕጻብ ዚዀነ፡ ጥምቀት እዩ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቲ ቲቶስ ሳልሳይ ምዕራፍ ዚብሎ፤

“ንሱ ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን። ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።” እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ።” (ቲቶ 3፡5-8)።

ራብዓይ ሓሳብ

እዚ ብማይ ምጥማቕሲ እንታይ የመልክተልና?

እዚ ብማይ ምጥማቕ ዜመልክተልና እዚ እዩ፡ ምእንቲ ብጽድቅን ብቕድስናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዘለኣለም ክንነብርሲ፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኣረጊት ኣዳም፡ ወትሩ ብጣዕሳን ብንስሓን ምስ ኵሉ ሓጢኣትን ክፉእ ትምኒትን እናጠሓለ ኺመውት፡ ሓድሽ ሰብ እናዀነ ድማ ኣብ ጸጽባሕ ኪትንስእ ማለት እዩ።

እዚ ኣበይ ተጽሒፉ ኣሎ?

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ንሰብ ሮሜ ምዕራፍ ሹዱሽተ ከምዚ ይብል፤ “ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዅላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።” (ሮሜ 6፡3-4)።