ንእሽቶ ትምህርቲ ሃይማኖት

ብዶር. ማርቲን ሉተር
ቋንቋ ምረጽ ብዛዕባ

መዓልታዊ ጸሎት

መዓልታዊ ጸሎት

ካልኣይ ክፍሊ

ወለዲ ንስድራቤቶም ከመይ ንግሆን ምሸትን ንኺጽልዩ ኪምህርዎም ከምዘለዎም

ጸሎት ንግሆ

ንግሆ ምስ ተንሳእካ፡ ምልክት መስቀል ድሕሪ ምግባር፡ ከምዚ በል፤ ብስም እግዚኣብሄር ኣቦን፡ ወድን፡ መንፈስ ቅዱስን። ኣሜን።

ብድሕሪኡ፡ ተንበርኪኽካ ወይ ድማ ደው ኢልካ፡ እምነት ሃዋርያትን ጸሎት ኣቦናን ድገም። ከምኡውን፡ እንተደሌኻ፡ ነዛ ንእሽቶይ ጸሎት እዚኣ ጸሊ፤

ዎ ሰማያዊ ኣቦይ፡ በዛ ዝሓለፈት ለይቲ ካብ ኵሉ ጉድኣትን ሓደጋን ስለ ዝሓሎኻኒ ብፍቁር ወድኻ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ። በዛ መዓልቲ እዚኣውን፡ ኵሉ ህይወተይን ስርሐይን ንኣኻ ባህ ዜብል ኪኸውንሲ፡ ካብ ኵሉ ሓጢኣትን እከይ ዘበለን ክትሕልወኒ እልምነካ። ኵለንትናይ፡ ስጋይን ነፍሰይን፡ ኵሉ ነገርን ናባኻ ኤማዕቍብ ኣሎኹ። እቲ ርኹስ ጸላኢ ከይሕይለንስ፡ ብቕዱሳት መላእኽትኻ ኽበበኒ። ኣሜን።

ድሕሪዚ፡ ሕጉስ መዝሙር እናዘመርካ፡ ብደስታ ናብ ስራሕካ ኺድ።

ጸሎት ምሸት

ምሸት፡ ቅድሚ ድቃስካ፡ ምልክት መስቀል ድሕሪ ምግባርካ፡ ከምዚ በል፤

ብስም እግዚኣብሄር ኣቦን፡ ወድን፡ መንፈስ ቅዱስን። ኣሜን።

ብድሕሪኡ፡ ተንበርኪኽካ፡ ወይ ድማ ደው ኢልካ፡ እምነት ሃዋርያትን ጸሎት ኣቦናን ድገም። ከምኡውን፡ ኣንተደሌኻ፡ ነዛ ንእሽቶይ ጸሎት እዚኣ ጸሊ፤

ዎ ሰማያዊ ኣቦይ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ብጸጋኻ ስለ ዝዓቀብካኒ፡ ብፍቁር ወድኻ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ። ብዝበደልክዎ ኵሉ ሓጢኣተይ ሕደገለይ፡ ብጸጋኻ ድማ በዛ ለይቲ እዚኣ ዓቅበኒ። ኵለንትናይ፡ ስጋይን ነፍሰይን፡ ኵሉ ነገርን ናባኻ ኤማዕቍብ ኣሎኹ። እቲ እኩይ ጸላኢ ከይሕይለንስ፡ ብቕዱሳት መላእኽትኻ ክበበኒ። ኣሜን።

ድሕሪ ጸሎትካ፡ ብሕጉስ መንፈስ ብኡ ብኡ ደቅስ።

ርእሲ ስድራቤት፡ ከመይ ኣምላኽ ንመኣዶም ክባርኽ ከም ዚጽልዩን ምስጋና ከምዘቕርቡን ንቤተሰቦም ኪምህሩ ከም ዘለዎም፤

ንበረኸት መኣዲ

ቈልዑን ካልኦት ኣባላት እታ ስድራቤትን፡ ናብ መኣዲ ክብሪ ብዚመልኦ ኣገባብ ቐሪቦም፡ ርእሶም ኣድኒኖም ከምዚ ኢሎም ይጸልዩ፤

ኣዒንቲ ዅሎም ንኣኻ ይጽበያ፡ ንስኻውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም። ኢድካ ትኸፍት እሞ፡ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ። (መዝ 145፡15-16)

ብድሕሪኡ ጸሎት ኣቦናን እዛ ትስዕብ ጸሎትን ጸልዩ፤

ዎ ልዑል ኣምላኽ፡ ሰማያዊ ኣቦ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንኣናን ነዚ ካብ ሪቕ ምልኣትካ እተቐበልናዮ ህያብካን ባርኽ። ኣሜን።

ቅድሚ መኣዲ ምልዓሉ ዚቐርብ ምስጋና

በሊዖም ምስ ወድኡ ውን፡ ልክዕ ከምኡ፡ ርእሶም ኣድኒኖም ከምዚ ይበሉ፤

እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ምሕረቱ ኸኣ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ። ንሱ ንዅሉ ስጋ ይምግብ። ነቲ ንእንስሳን ንዚምህለሉ ጨጫዊት ኳዃትን ዚምግብ ዘምሩሉ። ንሓይሊ ፈረስ ኣይብህጎን፡ በእጋር ሰብ ኣይሕጐስን፡ እግዚኣብሄር በቶም ዚፈርህዎ፡ ንጸጋኡውን ዚጽበዩ ይሕጐስ።

ብድሕሪኡ ጸሎት ኣቦናን እዛ ትስዕብ ጸሎትን ጸልዩ፤

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሰማያዊ ኣቦ፡ በቲ ምሳኻን ምስ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስን ንዘልኣለም ዚነግስ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፡ ስለ ኵሉ በረኸትካ ነመስግነካ ኣሎና። ኣሜን።