ንእሽቶ ትምህርቲ ሃይማኖት

ብዶር. ማርቲን ሉተር
ቋንቋ ምረጽ ብዛዕባ

መርገጺ እምነት

መርገጺ እምነት

ከም ርእሲ እታ ስድራቤት፡ ወለዲ ንስድራቤቶም ብቐሊል መገዲ ኪምህሩ ይግባእ።

ቀዳማይ ዓንቀጽ

ምፍጣር

ኣነ ዅሉ ብዚኽእል እግዚኣብሄር ኣቦ ፈጣር ሰማይን ምድርን እኣምን ኣሎኹ።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? እግዚኣብሄር ንኣይን ንዅሉ ፍጡርን ከም ዝፈጠረ፡ ስጋን ነፍስን ዓይንን እዝንን ኵሉ ኣካላትን ኣእምሮን ምሉእ ህዋሳትን ከም ዝሃበኒ፡ ነዚውን ከም ዚሕልወለይ፡ እኣምን ኣሎኹ።

ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ክዳንን ሳእንን፡ ምግብን መስተን፡ ቤትን ሰበይትን ውላድን፡ ግራትን፡ እንስሳታትን፡ ካልእ ኵሉ ዘሎኒ ይህበኒ። ካብቲ ሪቕ ምልኣቱ ነንመዓልቲ ንስጋይን ነፍሰይን ዜድልየኒ ዅሉ ይህበኒ።

ካብ ኵሉ ጕድኣትን ድንገትን እከይን ይሕልወኒ።

እዚ ኸኣ ብመለኰታዊ ጸግኡን ምሕረቱን ብኣባታዊ ለውሃቱን ጥራይ እዩ እምበር፡ ዚግብኣኒ ኣይኰነን። ስለ እዚ ዅሉ ህያባት ድማ ኸመስግኖን ክውድሶን ክግዝኦን ክእዘዞን ይግብኣኒ።

እዚ ርግጽ ሓቂ እዩ።

ካልኣይ ዓንቀጽ

ብዛዕባ እግዚኣብሄር ወልድን ግብሪ ምድሓኑን

ኣነ ብሓደ ወዱ፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብመንፈስ ቅዱስ እተጠንሰ፡ ካብ ማርያም ድንግል እተወልደ፡ ብዘመን ጶንጥዮስ ጲላጦስ ሓሳረ መከራ ዝጸገበ፡ እተሰቕለ፡ ዝሞተ፡ እተቐብረ፡ ናብ ሽኦል ዝወረደ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ካብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ናብ ሰማይ ዝዓረገ፡ ኣብ የማን እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣቦ ድማ ኮፍ ዝበለ፡ ካብኡ ኸኣ ንህያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ዚምለስ፡ እኣምን ኣሎኹ።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? የሱስ ክርስቶስ ካብ ዘለኣለም ካብ ኣብ እተወልደ ሓቂ ኣምላኽ፡ ከምኡውን ካብ ማርያም ድንግል እተወልደ ሓቂ ሰብ፡ ጐይታይ ከም ዝዀነ እኣምን ኣሎኹ። ንሱ ንኣይ ንጥፉእን ሞት እተፈርደኒ ኵኑን ሰብ፡ ካብ ኵሉ ሓጢኣትን ሞትን ስልጣን ሰይጣንን ዘድሓነንን እተሻየጠንን እተበጀወንን ብቕዱስን ክቡርን ደሙን፡ ኣበሳ ብዜብሉ መከራኡን ሞቱን እምበር፡ ብወርቅን ብብሩርን ከምዘይኰነ እኣምን ኣሎኹ።

ከምቲ ንሱ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ እሞ፡ ንዘለኣለም ዝነብርን ዝገዝእን ዘሎ፡ ኣነ ኸኣ ከምኡ ገንዘቡ ዀይነ፡ ኣብ መንግስቱ ምስኡ ኽነብር፡ ብናይ ዘለኣለም ጽድቅን ንጽህናን ብጽእናን ከኣ ክግዝኦ እየ።

እዚ ርግጽ ሓቂ እዩ።

ሳልሳይ ዓንቀጽ

ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስን ግብሪ ምቕዳሱን።

ኣነ ብመንፈስ ቅዱስ፡ ብሓንቲ ቅድስቲ ናይ ሃዋርያት ቤተ ክርስትያን፡ ብሕብረት ቅዱሳን፡ ብሕድገት ሓጢኣት፡ ብትንሳኤ ምዉታት፡ ብህይወት ዘለኣለም እኣምን ኣሎኹ።

እዚ እንታይ ማለት እዩ? ኣነ በእምሮይን ብሓይለይን ተመሪሐ ኣብ ጐይታይ የሱስ ክርስቶስ ክኣምን፡ ሓደው ናብኡ ኽመጽእ ከም ዘይተኻእለኒ፤ ግናኸ መንፈስ ቅዱስ፡ በቲ ቅዱስ ወንጌል ከም ዝጸውዓንን ብህያባቱ ከም ዘብርሃለይን ኣብ ሓቀኛ እምነት ኪጸንዕን ከም ዝቐደሰንን ከም ዝሓለወንን እኣምን ኣሎኹ።

ከምኡ ድማ፡ ንሱ ንዅሎም ኣብታ ናይ ክርስቶስ ማሕበር ዚርከቡ ኣመንቲ፡ ይጽውዕ፡ ይእክብ የብርህን ይሕድስን፡ ብሓቀኛ እምነት ምስ የሱስ ክርስቶስ ኪነብሩ ኸኣ ይሕልዎም።

መንፈስ ቅዱስ ንኣይን ኣብ ማሕበር ክርስትያን ንዚነብሩ ዅሎም ኣመንትን፡ ኣብ ጸጽባሕ ንዅሉ ሓጢኣትና ብምሕረት ይቕረ ይብል።

ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ድማ፡ ንኣይን ንዅሎም ምዉታትን የተንስእ፤ ብየሱስ ክርስቶስ ከኣ ንኣይን ንዅሎም ኣመንትን ህይወት ዘለኣለም ይህበና።

እዚ ርግጽ ሓቂ እዩ።